ምዕዶን መምርሒን

መመልከቲ ዑቕባ ዝተሓላለኸን ንምርድኡ ከቢድ ክኸውን ከምዝኽእል ይርድኣና ኢዩ። በብደረጅኡ ነቲ ዘሎ ኣሰራርሓ ዘረድኣኩም መምርሒ ኣዳሊናልኩም ኣለና። መሰልኩምን ሓላፍነትኩምን ተረዲእኹም ትኽክለኛ ውሳነ ንክትውስኑ ይጠቕመኩም።

ብዛዕባ መመልከቲ ዑቕባ  ምዕዶ መምርሒ ነዚእን ዝስእቡ ክፍልታት የጠቓልል።

ክፍሊ 1: ማይግራንት ሄልፕ ኣገልግሎታት

ኣብዚ ክፍሊ ማይግራንት ሄልፕ ኣብ ዩኬ ንዘለዉ ሓተትቲ ዑቕባ እንታይ ዓይነት ኣገልግሎት ከም ዝህብን ነዚእን ኣገልግሎታት ከመይ ክትረኽቡ ከምትኽእሉ የረድኣኩም።

ነቲ ምሉእ ክፍሊ ኣብዚ ኣንብቡዎ

ክፍሊ 2: ዑቕባ ብዛዕባ ምሕታት

ኣብዚ ክፍሊ ኣብ ዩኬ ዑቕባ ከመይ ክትሓትቱ ከምትኽእሉ ክተንብቡ ትኽእሉ። ከምኡውን ከኣ ናይ መጀመርታ ቃለ መጠይቕ ምስ ሆም ኦፊስ (ውሽጣዊ ጉዳያት) ኣብ ትገብሩሉ ግዜ እንታይ ከምዘጠቓልልን  ቃለ መጠይቕ ኣብ ትገብሩሉ ግዜ ሓደሓደ ዘይግቡእ ኩነታት ነይሩ እንደኣ ኢልኩም ከመይ ጥርኣን ከምትገብሩ የረድኣኩም። ብተወሳኺ’ ውን ብዛዕባ ሓገዝ ገንዘብን ገዛን፣ እንታይ ዓይነት ናይ ጥእና ኣገልግሎት ክትረኽቡ ከምትኽእሉን ኣብ ግዜ ቃለ መጠይቕ ወይ ከኣ ምስ ወዳእኹም ድህሪ ቁሩብ ግዜ፣ እንታይ ዓይነት ወረቓቅትታት ከምዝዋሃበኩም መረድኢ ይህበኩም። በብግዚኡ ከከይድኩም ብዛዕባ ትፍርሙሉ ቆጸራን ሕጋዊ ኣገልግሎት ከመይ ክትረኽቡ ከምትኽእሉ ከምኡውን ከኣ ኣብ ኩነታትኩም ዝኾነ  ዓይነት ለውጢ ምስ ዝህልው ንሆም ኦፊስ ክተፍልጡ ብዛዕባ ዘለኩም ግዴታ የረድኣኩም።

ነቲ ምሉእ ናይ መመልከቲ ዑቕባ ኣሰራርሓ ኣብዚ ክትርዕዩዎ ትኽእሉ።

ብዛዕባ መመልከቲ ዑቕባ ናይ መጀመርታ ቃለ መጠይቕ ኣሰራርሓ ነቲ ዘረድኣኩም ቪድዮን መመልከቲ ዑቕባ ኣብ ዝገበርኩምሉ ግዜ ነቲ ዝዋሃብ ሓገዝ ከመይ ክተመልክቱ ከምትኽእሉ ርዓዩዎ።

ነቲ ምሉእ ክፍሊ ኣብዚ ኣንብቡዎ

ክፍሊ 3: ናይ መመልከቲ ዑቕባ ዋና ቃለ መጠይቕ

ኣብዚ ክፍሊ ብዛዕባ መመልከቲ ዑቕባ ዋና ቃለ መጠይቕን ንቃለ መጠይቕ  ከመይ ክትዳለዉ ከምትኽእሉ፣ ከምኡ’ ውን ከኣ ድህሪ ቃለ መጠይቕ እንታይ ውሳነ ክዋሃበኩም ከምዝኽእል ብዝተመልከተ ሕጽር ዝበለ መረድኢ ትረኽቡ።

ብዛዕባ መመልከቲ ዑቕባ ዋና ቃለ መጠይቕ  አሰራርሓ ነቲ ዘረድኣኩም ቪድዮ ኣብዚ ርዓዩዎ።

ነቲ ምሉእ ክፍሊ ኣብዚ ኣንብቡዎ

ክፍሊ 4: ብድህሪ ውሳነ ፈቓድ እንተደኣ ተዋሂብኩም

ኣብዚ ክፍሊ፣ ኣብ ዩኬ መንበሪ ፈቓድ እንተደኣ ተዋሂብኩም ብዛዕባ ዘሎ ኩነታትን  እንታይ ዓይነት ወረቓቅትታት ከም ዝዋሃበኩም የረድኣኩም። መንበሪ ፈቓድ ምስ ተዋሃብኩም ማይግራንት ሄልፕ እንታይ ዓይነት ሓገዝ ክገብረልኩም ከምዝኽእል ይገልጸልኩም።

መንበሪ ፈቓድ ምስ ተዋሃብኩም እንታይ ዓይነት ሓገዝ ክገብረልኩም ከምዝኽእል ነቲ ዝገልጸልኩም ቪድዮ ርዓዩዎ።

ነቲ ምሉእ ክፍሊ ኣብዚ ኣንብቡዎ

ክፍሊ 5: ብድህሪ ውሳነጉዳይኩም እንተደኣ ተነጺጉ

ኣብዚ ክፍሊ ጉዳይኩም እንተደኣ ተነጺጉ ብዛዕባ ዘለኩም ኣማራጺታት፣ ናይ ሕጋዊ ኣገልግሎት ከመይ ክትረኽቡ ከምትኽእሉን ጉዳይኩም ከመይ ይግባይ ክትብሉ ከምትኽእሉ የረድኣኩም። ‘ናይ ይግባይ መሰልኩም ምስ ወዳእኹም’ እንታይ ክትገብሩ ከምትኽእሉ፣ ማይግራንት ሄልፕ እንታይ ዓይነት ሓገዝ ክህበኩም ከም ዝኽእል’ ውን የረድኣኩም። ብፈቓድኩም ናብ ሃገርኩም ብዛዕባ ናይ ምምላስ ኣገልግሎት’ ውን የረድኣኩም።

ነቲ ምሉእ ክፍሊ ኣብዚ ኣንብቡዎ

ክፍሊ 6: ፍሉይ ሓገዝ

ስድራኹም ኣበይ ከም ዘለዉ እንተደኣ ዘይትፈልጡ ኾይንኩም፣ ከመይ ገይርኩም ክተናድዩዎም ከም ትኽእሉን ናይ ባርነት፣ ስቃይ፣ ግብረስጋዊ መጥቃእቲ ወይ ከኣ ምኽንሻብ ናይ ጓል ኣንስተይቲ ግዳይ እንተደኣ ነይርኩም እንታይ ዓይነት ሓገዝ ክትረኽቡ ከምትኽእሉ ኣብዚ ትረክቡዎ። ከም’ ኡውን ከኣ ብዛዕባ ገበን ንፖሊስ ከመይ ክትሕብሩ ከምትኽእሉ የረድኣኩም።

ነቲ ምሉእ ክፍሊ ኣብዚ ኣንብቡዎ

ክፍል 7: ጠቓሚ ኣድራሻታት

ኣብዚ ክፍሊ ንሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ሓገዝን ደገፍን ናይ ዝህቡ ካልኦት ትካላት ኣድራሻ ትረኽቡ።

ነቲ ምሉእ ክፍሊ ኣብዚ ኣንብቡዎ

 

ነቲ ምሉእ ብዛዕባ መመልከቲ ዑቕባ ዘሎ ምዕዶ መምርሒ ኣብዚ ክተንብቡዎ ትኽእሉ። 

 

ነቲ ትደልዩዎ መረድኢ እንተደኣ ዘይረኸብኩም፣ ምዕዶን መምርሒን ንክንህበኩም ምእንታን በዚ ዝስእብ ስልኪ ቁጽሪ ደውሉልና 0808 8010 503 ። ቱርጅማን ዘድልየኩም እንተደኣ ኾይኑ ክንገብረልኩም ኢና። ከምኡውን ከኣ ዌብ ቻትን ኦን ላይን፣ በዚ ዝስእብ መገዲ ነቲ ዝርከብ ናይ ሕቶ ፎርም ክጥቀሙ ትኽእሉ ናይ ዓማውል መእተዊ  (ተራኸቡና ነቲ ዝብል ጽቐጡዎ)። ከምኡውን ከኣ ኣብ ናይ ዓማውል መእተዊ ነቲ ዝርከብ መመልከቲ መሊእኹም ሓበሬታ ክትረኽቡ ትኽእሉ።

ብኽብረትኩም ኣስተብህሉ፣ ብዛዕባ መሰልኩም ምዕዶን መምርሒ ክንህበኩም ንኽእል፣ ብዛዕባ ሕጋዊ ምዕዶ ወይ ሕጋዊ ኣገልግሎት ግና ክንህበኩም ኣይንኽእልን። ሓገዝ ክንህበኩም እንተደኣ  ዘይንኽእል ኮይንና፣ ሕጋዊ ኣገልግሎት ክህቡኹም ናይ ዝኽእሉ ናይ ጠበቓታት ዝርዝር ክንህበኩም ኢና።